ብዛዕባ ድሕንነት ኣካዉንትኻ

ኣካዉንትኻ ዘተኣማምን ምእንቲ ክኸውን፣ ነዚ ዚስዕብ ብሉጽ ልምድታት ንምሕጸን፦

  • ኣብ ካልእ መርበብ ሓበሬታታት እንደገና ዘይትጥቀመሉ ሓያል ቃል ምስጢር ተጠቐም።
  • ተጠቀም ክልተ ረቛሒታት ዘለዎ መረጋገጺ
  • ኢመይል ከምኡ’ውን ቍጽሪ ተሌፎን እንደገና ናይ ቃል ምስጢር ጥብቆ ወይ ኮድ ክትሓትት የድልየካ።
  • ነቲ ዘጠራጥር ጥብቆታት ተጠንቀቐሉ ከምኡ’ዉን ናብቲ እትኣትዎ ሓበሬታ ቕድሚ ምእታውካ ድማ ወትሩ ኣብ twitter.com ኸም ዘለኻ ኣረጋግጽ።
  • ንሳልሳይ ኣካላት፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሰዓብቲ ኸም ዚረኽቡልካ፣ ገንዘብ ከም ዚረኽቡልካ ወይ ከም ዘረጋግጹልካ ዚመባጽዑ ሰባት ስም ተጠቃሚኻን ቃል ምስጢርካን ኣይትሃቦም።
  • ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌርካን፣ እንተላይ እቲ ብሮውዝካ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ምምሕያሻትን ጸረ ቫይረስ ሶፍትዌርን፣ እዋናዊ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
  • እንድሕር ኣካዉንትኻ ኣብ ምልክት ሓደጋ ኣትዩ እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ

ብርትዐ ቃል ምስጢር

ንትዊተር ኣድራሻኻ ብርቱዑን ፍሉይን ቃል ምስጢር ፍጠር። ነቲ ምስ ናይ ትዊተር ኣድራሻኻ እተተሓሓዘ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻ ውን ማዕረኡ ድልዱልን ፍሉይን ቃል ምስጢር ክትፈጥር ኣሎካ።

ከምዚ ዝስዕብ ግበር፦

  • ንውሓቱ እንተ ወሓደ 10 ፊደላት ዘለዎ ቃል ምስጢር ፍጠር። ንውሕ ዝበለ ዝሓሸ እዩ።
  • ላዕለዋይ ርቦ ታሕተዋይ ርቦ፣ ቍጽርታት ከምኡ’ውን ምልክታት ሓዋዊስካ ተጠቐም።
  • ንነፍሲ ወከፍ እትበጽሖ መርበብ ሓበሬታ እተፈላለየ ቓል ተጠቐም።
  • ቃል ምስጢርካ ኣብ ዜተኣማምን ቦታ ሓዞ። ንዅሉ እቲ ኣብ መእተዊኻ ዘሎ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ንምኽዛን ናይ ቃል ምስጢር ምምሕዳር ሶፍትዌር ክትጥቀም ሕሰብ።

ከምዚ ዝስዕብ ኣይትግበር፦

  • ኣብ ቃል ምስጢርካ ከም ቍጽሪ ተሌፎናት፣ ዕለተ ልደታት ወዘተ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ሓበሬታ ኣይትጠቐም።
  • ከም "password"፣ "iloveyou"፣ ወዘተ ዝኣመሰለ ልሙዳት ናይ መዝገበ ቓላት ቃል ኣይትጠቐም።
  • መስርዓት ከም "abcd1234" ወይ ከኣ ከም "qwerty" ዝኣመሰለ መስርዕ ኪቦርድ ኣይትጠቐም።
  • ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ቃል ምስጢር ዳግማይ ኣይትጠቐም። እቲ ናይ ትዊተር ኣካዉንትኻ ቃል ምስጢር ኣብ ትዊተርካ ፍሉይ ክኸውን ኣለዎ።

ብተወሳኺ፣ ናይ ኣካዉንትኻ  ቃል ምስጢር ዳግመ ምዕራይ ኣብ ጽፍዮ ኣካዉንትኻ ዚርከብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነዛ ሳጹን እዚኣ እንተ መሪጽካ፣ ሓዲኡ ኣድራሻ ኢ-መይልካ ወይ ቍጽሪ ተሌፎንካ ወይ ከኣ ኢ-መይልካ ሽዑ ቍጽሪ ተሌፎንካ ከተእቱ ኽትድረኽ ኢኻ፣ እንድሕር ክልቲኦም ምስ ኣካዉንትኻ እንተ ተተሓሒዞም እንደገና ቃል ምስጢር ጥብቆ ወይ ኮድ መረጋገጺ ኽትሰድድ ትኽእል ኢኻ እንድሕር ጠቕላላ ተረሲዕካዮ። 

ናይ ቃል ምስጢር ዳግመ ምዕራይ ጽፍዮ ኣካዉንትኻ ብኸመይ ከምትረኽቦ
  1. ናብቲ ቐንዲ ዝርዝር ኪድ
  2. ጠውቕ ጽፍዮን ብሕትናን
  3. ጠውቕ ኣካዉንት
  4. ጠውቕ ውሕስነት
  5. መልጎም መከላኸሊ ዳግመ ምዕራይ ቃል ምስጢር ዕጸዎ
  1. ናብ ኣፕሊኬሽን ጽፍዮኻ ኪድ
  2. ጠውቕ ኣካዉንት
  3. ጠውቕ ውሕስነት
  4. ልጎም መከላኸሊ ዳግመ ምዕራይ ቃል ምስጢር
ክልተ ረቛሒታት ዘለዎ መረጋግጺ ተጠቐም
ክልተ ረቛሒታት ዘለዎ መረጋግጺ ንኣካዉንትኻ ተወሳኺ ድሕንነት እዩ ዝዀኖ። ኣብ ቃል ምስጢር ጥራይ ኣብ ክንዲ እትምርኰስ፣ ክልተ ረቛሒታት ዘለዎ መረጋግጺ ንስኻ፡ በይንኻ ንስኻ ጥራይ ናብ ናይ ትዊተር ኣካዉንትኻ ኸም እትኣቱ ንምርግጋጽ ካልኣይ ንመረጋገጺ ከምዝሕግዝ ይፍለጥ። ቃል ምስጢርካን ሞባይል ተሌፎንካን (ወይ መፍትሕ ጸጥታ) ዚረኽቡ ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ኣካዉንትኻ ኺኣትዉ ዚኽእሉ።

ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ ብዛዕባ ክልተ ረቛሒታት ዘለዎ መረጋገጺ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ኣብ twitter.com ከም ዘለኻ ኣረጋግጽ

ፊሺን ማለት ዘጠራጥር፡ ሓደ ሰብ ንትዊተር መጠቀሚ ስምካ፣ ኢመይል ኣድራሻኻ ወይ ቍጽሪ ተሌፎንካን ቃል ምስጢርካን ንኽትህቦ ከታልለካ ክፍትን ከሎ እዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣካዉንትኻ ስፓም (ዘየገድስ መልእኽታት) ምእንቲ ክሰዱ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፣ ናብ ናይ ሓሶት መእተዊ ገጻት ብዚወስድ ጥብቆ ገይሮም ከታልሉኻ ይፍትኑ እዮም። ናይ ትዊተር ቃል ምስጢርካ ከተእቱ ክትድረኽ ከለኻ ኣብ twitter.com ኸም ዘለኻ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ኣድራሻ ብሮውዘርካ ዘሎ URL ቐልጢፍካ ርኣዮ። ብተወሳኺ፣ ዘይልሙድ ዚመስል URL ዘለዎ ቀጥታዊ መልእኽቲ (ካብ ፈታዊኻ ውን ከይተረፈ) እንተ ተቐቢልካ፣ ነቲ ጥብቆ ከይትኸፍቶ ንምሕጸነካ።

ዘጠራጥር መርበብ ሓበሬታታት መብዛሕትኡ ግዜ ልክዕ ከምቲ ትዊተር ዚኣትዎ ገጻት እዩ ዚመስል፣ ከም ሓቂ ግና ትዊተር ዘይኰነ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ትዊተር መዳይ ወትሩ https://twitter.com/ ከም መሰረታዊ መዳይ ኢዩ ዝህልዎ። ገለ ኣብነታት ናይ ትዊተር መእተዊ ገጻት እንሆ፦

እንድሕር ብዛዕባ ሓደ መእተዊ ገጽ ርግጸኛ ዘይኰንካ፣ ብቐጥታ ናብ twitter.com ኼድካ ሰነዳትካ ኣብኡ ኣእቱ። እንድሕር እተሰረቅካ ዀይኑ ተሰሚዑካ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ቃል ምስጢርካ ቐይር ከምኡ’ዉን ተወሳኺ መምርሒታት ንምርካብ ናብ ናብ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኣካዉንትኻ ዓንቀጽ ርአ። 

ብዛዕባ ፊሺን ብኢ-መይል ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ትዊተር ኢ-መይል ኣንብብ። 

ቃል ምስጢርካ ኽንሓትተካ ኣይንረኽበካን ኢና

ትዊተር ብኢመይል፣ ብቐጥታ መልእኽቲ ወይ መልሲ ኣቢልካ ቃል ምስጢርካ ኽትህብ ፈጺሙ ኣይኪሓትተካን እዩ።

ገለ ነገር ከተዉርድ ወይ ናብቲ ትዊተር ዘይኰነ መርበብ ሓበሬታ ክትኣቱ ፈጺምና ኣይንሓትተካን ኢና። ካባና ኸም ዝመጻእካ ካብ ዚገልጽ ኢመይል ዝዀነ ይኹን ሶፍትዌር ኣይትኽፈት ወይ ኣይትጽዓን፣ ካባና ኣይኮነን።.

እንድሕር ኣካዉንትኻ ኸም እተሰርቀ ወይ ከም እተወስደ እንተ ጠርጢርና፣ እቲ ሰራቂ ንኣካዉንትኻ ብዘይግቡእ ምእንቲ ኸይጥቀመሉ ነቲ ቃል ምስጢርካ ዳግመ ምዕራይ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ጉዳይ እንተ ዀይኑ፣ twitter.com ናይ ቃል ምስጢር ዳግመ ምዕራይ ጥብቆ ብኢመይል ክንልእከልካ ኢና።

እንድሕር ነቲ እትጥቀመሉ ቃል ምስጢር ረሲዕካዮ፣ በዚ ጥብቆ ኣቢልካ ዳግመ ምዕራይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

 

ሓድሽን ዘጠራጥርን መጠንቀቕታታት መእተዊ

እንድሕር ዘጠራጥር መእተዊ እንተ ረኺብና ወይ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ሓድሽ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ናብ ትዊተር ኣድራሻኻ ኽትኣቱ ኸለኻ፣ ኣብ ውሽጢ ኣፕሊኬሽን ትዊተር ወይ ከኣ ንኣካዉንትኻ ተወሳኺ ድሕንነት ንምርካብ ብኢመይል ድፍኢት ምልክታ ክንልእከልካ ኢና። ናይ መእተዊ መጠንቀቕታታት ብትዊተር ኣቢልካ ናብ iOS፣ ኣንድሮይድ፣ X.com ከምኡ’ውን ሞባይል መርበብ ሓበሬታ ንመጀምርታ ክትኣቱ ከለኻ ጥራይ ኢዩ ዝለኣኽ።

በዚ መጠንቀቕታታት እዚ ኣቢልካ፣ ካብቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዝኣተኻዮ ንስኻ ምዃንካ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። እንድሕር ካብቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዘይኣቲኻ፣ ኣካዉንትኻ ንምዕቃብ ነቲ ኣብቲ ምልክታ ዘሎ ስጕምትታት ክትስዕብ ኣሎካ፣ እዚ ኸኣ ብኡንብኡ ነቲ ናይ ትዊተር ቃል ምስጢር ምቕያር ብምጅማር እዩ። እቲ ኣብዚ ምልክታ እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ቦታ ካብቲ ናብ ትዊተር ንምእታው እትጥቀመሉ ዝነበርካ IP ኣድራሻ እተወስደ ገምጋም ቦታ ምዃኑ ኣስተብህል፣ ከምኡ’ዉን ካብቲ ግኡዝ ቦታኻ ድማ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

መዘኻኸሪ፦ እንድሕር ካብ ዘይተፈልጠ ብሮውዘራት ወይ ብሮውዘራት ምስ ጎደሎ ኩኪስ ናብ ትዊተር ኣድራሻኻ እንተ ኣቲኻ፣ ኵሉ ሳዕ መጠንቀቕታ ኺወሃበካ እዩ።

እዋናዊ መጠንቀቕታታት ብኣድራሻ ኢመይል

እቲ ምስ ትዊተር ኣድራሻኻ ዚተሓሓዝ ናይ ኢመይል ኣድራሻኻ ኣብ እተቐየረሉ ዝዀነ ይኹን እዋን፣ ናብቲ ኣቐዲምካ እተጠቕመሉ ኣድራሻ ኢመይል ኣብ ኣካዉንትኻ ኽንልእኽ ኢና። ኣካዉንትኻ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣትወሉ ፍጻሜ፣ እዚ መጠንቀቕታታት እዚ ንኣካዉንትኻ እንደገና ንኽትቈጻጸሮ ስጕምቲ ንኽትወስድ ኺሕግዘካ እዩ።
 

ኣብ ትዊተር ንዚርከብ ጥብቆታት ምግምጋም

ብዙሓት ተጠቀምቲ ትዊተር ከም bit.ly ወይ TinyURL ዝኣመሰለ፣ ኣብ ቱዊትስ ንምክፋል ዝቐለለ፣ ፍሉይ፣ ሓጺር ጥብቆታት ንምድላው URL ኣሕጽሮታት ይዝርግሑ እዮም። ይኹን እምበር፣ እቲ ሕጽር ዝበለ URL ነቲ ናይ መወዳእታ መዳይ ኺሓብኦ ስለ ዚኽእል፣ እቲ ጥብቆ ናበይ ከም ዚኸይድ ንምፍላጥ የጸግሞ።

ከም ክሮምን ፋየርፎክስን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ብሮውዘራት፣ ነቲ ዝሰፍሐ URLታት ከይጠዋወቅካ ብናጻ ዜርእዩኻ መእተዊታት ኣለዎም፦

ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ፣ ብኽብረትካ ኣብ ጥብቆ ክትጥውቕ ከለኻ ተጠንቀቕ። እንድሕር ኣብ ጥብቆ ብምጥዋቕ ሃንደበት ኣብቲ ምስ ናይ ትዊተር መእተዊ ገጻት ዚመሳሰል ገጽ እንተ ረኺብካ፣ ስም ተጠቃሚኻን ቃል ምስጢርካን ኣይትእቶ። ኣብ ክንዳኡ፣ ናብ X.com ኼድካ ብቐጥታ ካብቲ ኣብ ትዊተር ዚርከብ ገጻት ኣእቱ።
 

ንኮምፕዩተርካን ንብሮውዘርካን እዋናዉን ካብ ቫይረስ ናጻን ግበር

ነቲ ብሮውዘርካን ንስርዓተ መመስርሒ ኮምፕዩተርካን ምስቲ ሕጂ ዘሎ ኣዝዩ እዋናዊ ሕታማትን ድርዕቶታትን ኣመሓይሾ፣ ንድሕንነትካ ዘስግእ ነገራት ንምፍታሕ መብዛሕትኡ ግዜ ድርዖታት ይወጽእ እዩ። ኣዘውቲርካ ካብ ቫይረስን፣ ስለያን፣ ናይ ምውዕዋዕ ሶፍትዌርን ኮምፕዩተርካ ኣጽሪ።

እንድሕር ህዝባዊ ኮምፕዩተር ትጥቀም ኣሊኻ፣ ምስ ወዳእካ ካብ ትዊተር ከም ዝወጻእካ ኣረጋግጽ።

ተጠንቂቕካ መመልከቲ ሳልሳይ ኣካል ምረጽ

ብደጋዊ ኣዳለውቲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝርከብ መድረኽ ብትዊተር ኣድራሻኻ (ኣድራሻታትካ) ክትጥቀመሉ እትኽእል ብዙሕ ናይ ሳልሳይ ኣካል መመልከቲታት ኣሎ። ይኹን እምበር፣ መእተዊ መመልከቲ ሳልሳይ ኣካል ናብ ኣካዉንትኻ ቕድሚ ምሃብካ ኽትጥንቀቕ ኣሎካ።

እንድሕር ናብ ኣካዉንትኻ መእተዊ ናይ ሳልሳይ ኣካል መመልከቲ ክትህብ ደሊኻ፣ በቲ ትዊተር ዚጥቀመሉ OAuth ዚበሃል ሜላ ጥራይ ክትጥቀም ኢና እንምሕጸን። OAuth ዘተኣማምን ሜላ ምትእስሳር ስለ ዝዀነ ንሳልሳይ ኣካል ስም ትዊተርካን ቃል ምስጢርካን ክትህቦ ኣየድልየካን እዩ። ብፍላይ ስም መጠቀሚኻን ቃል ምስጢርካን ንሓደ ኣፕሊኬሽን ወይ መርበብ ሓበሬታ ክትህቦ ኽትሕተት ከለኻ ኽትጥንቀቕ ኣሎካ፣ ከመይሲ ብ Oauth ኣቢልካ እቲ ሳልሳይ ኣካል ዚጥቀመሉ መወከሲታት ናብ ኣካዉንትኻ ኽትኣቱ ከለኻ ኣየድልየካን እዩ። ስም መጠቀሚኻን ቃል ምስጢርካን ንኻልእ ክትህብ ከለኻ፣ ንኣካዉንትኻ ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸርዎ ይኽእሉ እዮም፣ ኪዓጽዉኻ ወይ ከኣ ኣካዉንትኻ ኸም ዚዉንዘፍ ዚገብር ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ሳልሳይ ኣካል ኣፕሊኬሽናት ብኸመይ ከም ተራኽቦ ወይ ከም ትስርዞ ተምሃር

ሓሓሊፍካ ናብ ኣካዉንትኻ ክኣትዉ ዝኽእሉ ኣፕሊኬሽናት ሳልሳይ ኣካል ክትምርምር ሓሳብ ንህበካ። ነቲ ኣብ ኣካዉንትኻ ዘሎ ኣፕሊኬሽናት መጠወቂ ብምብጻሕ ነቲ ዘይትፈልጦ ወይ ኣብ ክንዳኻ ትዊት ዚልእኽ ዘሎ መመልከቲ ኽትስርዞ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ እዚ ኣካፍሎ