ገበነኛታት ዓመጻዊ መጥቃዕቲታት

ሓፈሻዊ መግለጺ

ፌብሯሪ 2022

ብግብረ ራዕዲ፡ ጡሩፍ ዓመፀን፡ ብዓመጽ ንሓፋሽ ዘቅዑ ውልቃዊ ገበነኛታት ዝመሓደሩ ኣካውንቲታት፡ ብተወሳኺ'ውን እቲ ዝዛመድ ትሕዝቶ ዝእንገደሎም ማኒፌስቶታት ከምኡ'ውን/ወይ ናይ ሳልሳይ ወገን ሊንካት ንምክፋል ዝጽዕሩ ኣካውንቲታት ክነውግድ ኢና። ብገበነኛታት ዝፈረዩ ማኒፌስቶታት ወይ ካልኦት ትሕዝቶታት ዝብትኑ postታት'ውን ክነውግድ ንኽእል ኢና።

X ሰባት ተኣማኒ ሓበሬታ ክረኽቡሉ ዝኽእሉሉን ብዘይጥዑይ ትሕዝቶ ጽዕነት ከይተሰመዖም ንዓርሶም ብናፅነትን ብድሕንነት ዝገልጹሉ ቦታ ክኸውን ኢና ንደልዮ። ድሕሪ ግብረ ራዕዳዊ፡ ዓመፃዊ ጥሩፍነትን፡ ብዓመጽ ንሓፋሽ ምጥቃዕን፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ግዳያት ርሕራሐ ክገልጹ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምኡ'ውን/ወይ ገበነኛታት ከውግዙን፡ እዚኦም ሓደጋታት ንሰባትን ማሕበረሰባቶምን ብኸመይ ከምዝጸልዉ ንምምያጥ ከምዝደልዩ ንፈልጥ ኢና። ገለ ሰባት'ውን፡ ሕርቃኖም ንምግላፅ ወይ ዕላማታት ናይቲ ገበነኛ ንምውጋዝ በቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ፍሉጥ ገበነኛ ወይ ተሓባባሪኡ ዝፈረዩ ማኒፌስቶታት ወይ ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶታት ንምክፋል ክደልዩ ይኽእሉ። 

እቶም ገበነኛታት ዝዋፈሩሉ ዓመፅ፡ ኣብ ማኒፌስቶኦም ወይ ብካልእ ነገር ዝገልፁዎ ጽልኢን ኣድልዎን ንቡር ዝገብር መርትዖኦም፡ ናይቶም ዕላማ ዝተገበሩ ሰባት ኣካላዊ ድሕንነትን ሓለዋትን ብዝበለፀ ንሓደጋ ክቃላዕ ክገብርን፡ መፃኢ መጥቃዕቲታት ንምልዕዓል ዓቕሚ ክህልዎ ይኽእል። ነዚኦም ነገራት ምርኣይ ብተወሳኺ'ውን ነቶም ዝሪኡ ሰባት ሓደጋ ከስዕበሎም ይኽእል። 

ብገበነኛታት ዝፈረዩ ጽልእን ኣድልዎን ዘተባብዑ ኣረኣእያታት ዘተባብዑ ትሕዝቶታት ንማሕበረሰብ ሓደጋ ከምዝኾኑን እቶም ገበነኛታት መልእኽቶም ከየወዓውዑ ንምክልኻል ክበሃል እቲ ዝርገሐኦም ክድረት ከምዘልዎ ንኣምን ኢና። ስለዚ ድማ ዋላ'ኳ እቲ ዓውዲ ግፍዒ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ'ውን፡ ብገበነኛታት ዝፈረዩ ማኒፌስቶታት ወይ ካልኦት ተመሳሳሊ ነገራት ወሲኹ ዝሕዙ postታት ነውግድ ኢና። ይኹን'ምበር፡ ናይ ዜና ዋጋ ዘለዎ ትሕዝቶ ነዞም ዝስዕቡ እንተዘይኮይኑ ክንፈቅድ ንኽእል፡

  • ብኸመይ ዓርስኻ ክምተዕጥቕን ዕላማታት ከምትመርፅን ምኽሪታት እንተኣመሓላሊፉ፤
  • ጽልኢ ዝመልኦም ጭርሖታት፡ ምልክታት፡ ሜማት፡ ከምኡ'ውን/ወይ ጽልኢ ዝመልኦም ስነ ሸርሒታት እንተካፊሉ፤
  • ናይቲ ገበነኛ ስነ ሓሳብ፡ ታክቲካዊ ምርጫታት፡ ከምኡ'ውን/ወይ ናይ መጥቃዕቲ ውጥን ዝገልፅ እንተኾይኑ።

ማኒፌስቶ እንታይ እዩ?

ማኒፌስቶ ማለት ሓደ ገበነኛ መንቀሊኡ፡ ኣረኣእያታቱ፡ ወይ ኣብ ዓመፃዊ መጥቃዕቲ ንምውፋር ዘለዎ ድልየት ዘብርሀሉ መግለፂ ማለት እዩ። ማኒፌስቶ ብናይ ፅሑፍ ሰነድ፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ልጣፍ፡ ናይ ድምፂ ቅዳሕ፡ ቪድዮ፡ ደጋዊ ሊንክ፡ ወይ ደብዳበ ወይ ካልእ ናይ ትሕዝቶ ቅጥዒታት ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ፡ ወይ ኣብ እዋን እቲ ዓመፃዊ መጥቃዕቲ ክካፈል ይኽእል። ሓደ ማኒፌስቶ ምስቲ ፍጻመ ብናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ወይ ድልየታዊ ሓሳብ ክተሓሓዝ ይኽእል።

እቶም ብግብረ ራዕዲ፡ ጡሩፍ ዓመፀን፡ ብዓመጽ ንሓፋሽ ዘጥቅዑ ውልቃዊ ገበነኛታት መን እዮም?

ብዓመፃዊ ጉጅለ ወይከኣ ብኣባል ከምዚ ዝኣመሰሉ ትካላት ሓላፍነት ዝውሰደሎም መጥቃዕቲታት ኣብ ትሕቲ ፖሊሲ ናይ ዓመጽን ጽልእን ዝመልኦም ኣካላት ተገሊጾም ኣለዉ። ብፖሊሲታትና መሰረት ኣብ ትሕዝቶ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ሓደ ሰብ ኣባል ናይ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ወይ ካልኦት ዓመጽን ጽልእን ዝመልኦም ኣካላት ምዃኑ ይኹን፡ ምስ ዝኾነ ጉጅለ፡ ትካል፡ ወይ ስነ ሓሳብ ዕላዊ ዝምድና ከምዘለዎ ክረጋገጽ ኣየድልየናን እዩ። 

ነዚ ፖሊሲ ዝግህስ ነገር እንታይ እዩ?

በዚ ፖሊሲ መሰረት፡ ብግብረ ራዕዲ፡ ጡሩፍ ዓመፀን፡ ብዓመጽ ንሓፋሽ ብዘጥቅዑን ውልቃዊ ገበነኛታት ዝውነኑ ኣካውንቲታት ንሓዋሩ ክነልግስ ኢና፡ ብተወሳኺ'ውን ምስቶም ገበነኛታት ወይ ምስ ዓመፃዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ዝጎድእን ዓመፃዊን ትሕዝቶ ንምክፋል ዝፅዕሩ ኣካውንቲታት ነልግስ ኢና።

ብተወሳኺ'ውን፡ ካብቶም ዝስዕቡ ገለ post ክትገብሩ ኣይትኽእሉን፡

ብገበነኛታት ዝተፈጠሩ ማኒፌስቶታትን ካልኦት ትሕዝቶታትን

ብውልቃዊ ገበነኛታት ወይ ተሓባበርቶም ዝተፈጠሩ ማኒፌስቶታትን ካልኦት ትሕዝቶታት ክነውግድ ንኽእል ኢና። ዓመፃት ብ postታት፡ ብSpace፡ ስእሊ፡ ከምኡ'ውን ቪዲዮታት፡ እንተላይ ናይ ቀጥታ ፈነወ ቪዲዮ ክረኣዩ ይኽእሉ። በዚ ፖሊሲ መሰረት ስጉምቲ ዝውሰደሎም ኣብነታት ትሕዝቶ፡ እዞም ዝስዕቡ ኮይኖም ግን ከኣ ኣብዚ ጥራይ ዝተሓፀሩ ኣይኾኑን፡

  • እቲ ዓውዲ ብዘየግድስ፡ ምሉእ ንውሓት ዘለዎም ማኒፌስቶታት ምክፋል ወይ ምልጋብ
  • ዳግመ ምፍራይ ናይ ዝተገበሮ ማኒፌስቶ (ኣርትዖት ዝተገበረሉ ወይ ዝተቖረፀ) ቁንጫል(ላት) ዝሓዙ postታት ወይከኣ ኦርጅናል ማኒፌስቶ፡ እንትርፊ ናይ ዜና ዋጋ ብዘለዎ መንገዲ እንተተኻፊሉ።
    • እቲ ዓውዲ ብዘየግድስ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ምክፋል ኩሉግዜ ዝተኸልከለ እዩ፡ 

       

      • ብኸመይ ዓርስኻ ክምተዕጥቕን ዕላማታት ከምትመርፅን ዘመሓላልፉ ቁንጫል(ላት) ምኽሪታት።
      • ጽልኢ ዝመልኦም ጭርሖታት፡ ምልክታት፡ ሜማት፡ ከምኡ'ውን/ወይ ከም Great Replacement Theory ዝኣመሰሉ ጽልኢ ዝመልኦም ስነ ሸርሒታት ዘካፍሉ ቁንጫል(ላት)።
      • ናይቲ ገበነኛ ስነ ሓሳብ፡ ታክቲካዊ ምርጫታት፡ ከምኡ'ውን/ወይ ናይ መጥቃዕቲ ውጥን ዝገልፁ ቁንጫል(ላት)።
  • ኣብ ኩሎም ኣጋጣሚታት ምስቲ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዙ በቲ ገበነኛ ዝመንጨዉ መራኸቢ ብዙሃን። እዚ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ጥራይ እተሓጽረ ግን ኣይኰነን፦

     

    • በቲ ገበነኛ ዝተቐረፀ ናይቲ መጥቃዕቲ መራኸቢ ብዙሃን
    • በቲ ገበነኛ ዝተኻፈሉ ከምኡ'ውን/ወይ ዝፈረዩ ሜማት፡ ስቲከራት፡ ወይ ግራፊቲ
    • ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝወዓሉ ብረታት ዝገልፅ መራኸቢ ብዙሃን
  • ካልእ ምስቲ ዓመፃዊ መጥቃዕቲ ዘይዛመድ ግን ድማ ነቲ መጥቃዕቲ ንምውዕዋዕ ወይ ንምድጋፍ ግልፂ ዝኮነ በቲ ገበነኛ ዝመንጨወ ትሕዝቶ።
  • እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ብተዓዛባይ ዝመንጨወ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ እዋን ወይ ሞት፡ ሬሳታት ዘርኢን፡ ግዳያት ዘለሊ፡ ወይ እቲ(ቶም) ገበነኛት(ታት) ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም(ሙ) ከሎ(ዉ) ዘርኢ ብተዓዛባይ ዝመንጨወ ትሕዝቶ።

ትሕዝቶ መልቲሚዲያ፡ URLት፡ ከምኡ'ውን ሃሽታጋት

ንሓደ ተነካኢ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ መንጎ ልዕሊ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ከነንብሮ ንኽእል ኢና። እቲ መንጎኛ ስእሊታትን ቪዲዮታትን እቲ መራኸቢ ብዙሃን ክረኣይ ቅድሚ ምኽኣሉ ኣፍልጦ ክወሃቦ ካብ ዝለዎ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ድሕሪት ይገብሮም እዩ። ነዚ ባህሪ ምጥቃም ማለት ተነካኢ መራኸቢ ብዙሃን ንምርኣይ ዘይደልዩ ሰባት ከልግሱዎ፡ ወይ ንምርኣይ ቅድሚ ምምራፆም ሓበሬታ ዘለዎ ውሳነ ክውስኑ ይኽእሉ ማለት እዩ። እዞም ዝስዕቡ መንጎኛ ክንገብረሎም እንኽእሎም መራኸቢ ብዙሃን ዘካትቱዎ ግን ድማ ኣብዚ ጥራይ ዘይሕፀሩ እዮም፡

  • ገበነኛ ዘርእዩ መራኸቢ ብዙሃን 
  • ልክዕ ከም ክፋል ዜና ተጌሮም ዝካፈሉ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ሰብ ቁንጫላት።

ማኒፌስቶ እዮም ተባሂሎም ምስቶም ዝእመኑ ሰነዳት ብቐጥታ ዝላገቡ URLት ምልክት ክንገብረሎም ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ እዞም URLት ኣብ X ከይካፍሉ ንምኽልካል እዩ።

ናይቲ ገበነኛ መንነት ተርእዮ ንምንካይ ኣብ ትሬንድ ዘሰርዑ ሃሽታጋት፡ ብተወሳኺ'ውን ማኒፌስቶታት ንምርኣይ ብፍሉይ መልክዕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ሃሽታጋት ኣብ ዝርዝር ክልከላ ክነእትዎም ንኽእል ኢና።

ነዚ ፖሊሲ ዘይግህስ ነገር እንታይ እዩ?

  • በዞም ዝስዕቡ ዝውነኑ ኣካውንቲታት
    • እቲ ዓመፃዊ መጥቃዕቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ቀረባ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ከምኡ'ውን/ወይ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ከብሉዎ ዝኸኣሉ፡ ንኣብነት ነቲ(ቶም) ገበነኛ(ታት) ዝወቕዐ ሰብ
    • ድሕሪ ካብ ገበን ነፃ ውሳነ ፍርዲ ክሶም ዝተገልበጠ
  • ካብዞም ዝስዕቡ ሓደ ዝስእል ትሕዝቶ፡
    • ኣፈፀምቲ ሕጊን ሰብ ውትህድርናን፡ ከም ኣካል ዕላዊ ዕማሞም፡ ሓይሊ ክጥቀሙ ከለ'ዉን፣ እዚ ድማ ክሳራታት ከስዕብ ከሎ፤
    • ዓመጽ ኣንጻር ሰብ ውትህድርናን ኣፈጸምቲ ሕጊን፤
    • ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት
    • ኣካል ናይ ዕጥቃዊ ጎንጺ ዝኾኑ ዓመጻዊ መጥቃዕቲታት
    • ከም ዓርሰ ምክልኻል ዝጥቀሙ ዓመጽ
    • ብዛዕባ እቲ መንቀሊ ናይቲ መጥቃዕቲ ጥርጣረ ዘለዎም፡ ዓመጻዊ መጥቃዕቲታት
    • ጉዳያት ኣብ ቀንዲ መዋቕራት ልምዓት ጉድኣት ዘስዕቡ ብፍላጥ ዝግበሩ ኣዕናውነትን መጥቃዕቲታትን
    • ናይ ዜና ዋጋ ብዘለዎ ዓውዲ ወይ ኣንጻር ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ንዝምዕብል ዘሎ ጽልኢ ወይ ዓመጽ ብዝበለጸ ንቕሓት ንምፍጣር ክበሃል ካብቲ ማኒፌስቶ(ታት) ዝተወሰኑ ዓረፍተ ነገራት ምክፋል። ንኣብነት፡ "እቲ ተኳሳይ ንጉጅለ x ክድምስስ ከምዝደሊ ተዛሪቡ" በዚ ፖሊሲ እዚ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ኣይኮነን።

ነዚ ፖሊሲ እዚ ኸም እተጣሕሰ ጥርዓን ከቕርብ ዚኽእል መን እዩ?


ዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ተዊተር ኣካውንት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፣ ተኽእሎ ጥሕሰት እዚ ፖሊሲ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል ኢዩ። 

ነዚ ፖሊሲ እንተግሂሰ እንታይ ይፍጠር? 


ነቶም ናይ ዓመጻዊ ፍጻመታት ፖሊሲ ምግሃስ ዘስዕቦ ነገር ከምቲ ጽንኩርነት ናይቲ ዓመጽ ይውሰን። ብግብረ ራዕዲ፡ ጡሩፍ ዓመፀን፡ ብዓመጽ ንሓፋሽ ዘጥቅዑ ውልቃዊ ገበነኛታት ዝመሓደሩ ኣካውንቲታት ንሓዋሩ ክእገዱ እዮም። ኣብ ልዕሊ ከምዝተገለጸ፡ ብውልቃዊ ገበነኛታት ወይ ተሓባበርቶም ዝተፈጠሩ ማኒፌስቶታትን ካልኦት ትሕዝቶታት ክነውግድ ንኽእል ኢና። 

ብተወሳኺ'ውን፡ ብዛዕባ ዓመጽ ዝመልኦ ዘረባ ንዘለዉ ፖሊሲታትና ወይ ንካልኦት ኣካላት ናይ X Rules ዝግህስ ትሕዝቶ ነውግድ ኢና።

ተወሳኺ መወከስታት


ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንጥቀመሉ እተፈላለየ ኣማራጺታትከምኡውን ብዛዕባ ምዕባለፖሊሲታትን ምትግባርንዘሎና ኣቀራርባ ዝያዳ ተምሃር።

 

ነዚ ዓንቀጽ እዚ ኣካፍሎ